ኩነታት ፀፅታ ንምጥንኻር ዝተዋደደ ስራሕ ኣካላት ፀፅታ የድሊ – ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተመሓየሸ ዝመፅአ ኩነታት ፀፅታ ንምጥንኻር ዝተዋደደ ስራሕ ኣካላት ፀፅታ ከምዘድሊ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም።

መበል 14 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኩነታት ፀፅታ ኢትዮጵያ እናተመሓየሸ ብምዃኑ እዚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተኸታታሊን ቀፃሊ ዝኾነን ዝተዋደደን ስራሕ ክቕፅል ኣለዎ፡፡

ኣገልግሎት ፖሊስ ንምምሕያሽን ዓቕሚ ምፍፃም ንምድንፋዕን በቢብርኩ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኣብቲ ጉባኤ ዝመሓላለፉ ውሳነታት ንኣገልግሎት ፖሊስ ብግቡእ ኣመሓይሾም ግቡእ ኣገልግሎት ንመሃብ ዘኽእል ከምዝኸውን ትፅቢት ከምዝግበር እውን ተዛሪቦም።

እቲ ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ ፌደራል፣ ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ግቡእ ውሳነ ዝህቡሉ ከምዝኸውን ምግላፁ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment