ኩባ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናተገበረ ዝርከብ ዝተዋደደ ፅንቶ ከምትኹንን ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)አብ ኢትዮጵያዝተሾሙ ኣምባሳደር ኩባ ጆርግ ኤፍ.ኤል ኒኮላስ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናተገበረ ዝርከብ ዝተዋደደ ፅንቶ መንግስቲ ኩባ ከምዝኹንን ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ቅዳሕ ደብዳበ ሽመቶም ንምክትል ሹም ጉዳያት ፕሮቶኮል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ኣለማየሁ ሰዋኣገኝ ኣቕሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኩባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ንምዕባይ ቆራፅ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደሓደ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተዋደደ ፅንቶን ናይ ሓሶት ወፍሪ ሚዲያን እናካየዳ ከምዝርከባ ብምሕባር መንግስቲ ኩባ ነዚ ተግባር ከምዝኹንን ገሊፆም።

ኩባ ከም ቀደማ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ዝገለፁ እንትኾ፥ ኣድላዪ ዲፕሎማሲያዊ ሓገዝ ከምትገብር ኣረጋጊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment