ኩባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻዊ ርክብን ምትሕብባርን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኩባ ኣምባሳደር ሽብሩ ማሞ ምስ ምክትል ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ኣናያንሲ ሮድሪጌዝ ኣብ ክልተኣዊን ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ኣድሂበን ተዛቲየን።

ኣምባሳደር ሽብሩ ማሞ፥ ኩባ ንኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሓገዝ ብምንኣድ ምስጋና ኣቕሪበን።

ኢትዮጵያ ምስ ኩባ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ ዝገለፃ እተን ኣምባሳደር፥ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ፣ ዶብ ኢት-ሱዳን ከምኡ እውን ብዛዕባ ትግራይ ዝምልከት ገለፃ ገይረን።

የኩባ ምክትል የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር አናያንሲ ሮድሪጌዝበበኩላቸው የኢትዮጵያን ወቅታዊ ሁኔታ በሚመለከት ለተደረገላቸው ገለፃ ምስጋና አቅርበው፥ ኢትዮጵያ አሁን የገጠሟትን ችግሮች በፅናት እንደምታልፋቸው እምነታቸው መሆኑን ገልጸዋል

ምክትል ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ኣናያንሲ ሮድሪጌዝ ብግደኦም፥ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ንዝተገበረሎም ገለፃ ብምምስጋን፤ ኢትዮጵያ ዝገጠሙዋ ፀገማት ብፅንዓት ክትሓልፎም ኢያ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment