ኩባንያ ኦምኒፖል ኤል410-ኤንጂ ዝተብሃለ ኣውሮፕላን ንኢትዮጵያ ከቕርብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያ ቼክ ሪፐብሊክ ዝኾነ ኦምኒፖል ንመገደኛታትን ንፅዕነትን መጓዓዓዚ ዝውዕል ኤል410-ኤንጂ ዝተብሃለ ንእሽተይ ኣውሮፕላን ናብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ከምዘቕርብ ተገሊፁ፡፡

19 ሰባት ናይ መሓዝ ዓቕሚ ዘለዎን ኩለመዳያዊ ረብሓ ዝህብን እቲ ዘበናዊ ኣውሮፕላን መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ተኻይዱ፡፡

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ጌታቸው መንግስቴ÷ ኢትዮጵያን ቼክ ሪፐብሊክን ዝፀንሐ ርክብ ምትሕብባር ከምዘለወን ብምሕባር፤ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ተመሳሳሊ ምትሕብባር ንምግባር እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠር ኣብሪሆም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ቼክ ስራሕ ዝኾነ ኤል410 ዩቪፒ-ኢ20 ሞዴል ኣውሮፕላን ኣብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ መዝጊቡ ከምዝነበረ ሓበሬታ እቲ በዓል መዚ ኣመልኪቱ፡፡

ኤል 410-ኤን ጂ ንመንገደኛታት ወይ እውን ንኣገ፤ግሎት ፅዕነት ክውዕል ዝኽእልን ኣዚዩ ዘበናዊ ምዃኑ ክብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ፍሉይ ከምዝገብሮ ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment