ኩባንያ ኣዋሽ ኢንሹራንስ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን 36 ሚሊየን ብር ዕድጊት ቦንድ ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት 3፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያ ኣዋሽ ኢንሹራንስ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን 36 ሚሊየን ብር ዕድጊት ቦንድ ፈፂሙ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስክር ነጋሽ ከምዝበልዎ፥ እቲ ኩባኒያ በቢዓመቱ ቦንድ ብምግዛእ ድጋፍ እናገበረ ፀኒሑ ኢዩ።

ሎሚ ዝፈፀሞ ዕድጊት ቦንድ 36 ሚሊየን ብር መግለፂ ልኡላውነትና፣ ኣርማ ፅንዓትናን ዝተሰሓሓቱ ስምምዕነታት ግዝኣት ባዕዳውያን ዝሰዓረን ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ካብ 2003 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 3 ነጥቢ 21 ቢሊየን ብር ብዕድጊት ቦንድ ከምዝተኣከበ ምግላፆም ካብ ኮሚኒኬሽን ምምሕዳር እቲ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment