ኩባንያ ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ እንስሳት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያ ኔዘርላንድስ ፕሮጀክት ልምዓት ሃፍቲ እንስሳት ብምጅማር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ እንስሳት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ፥ ትማሊ ምስ ዳይሬክተር ንግዲ ፒኮሊን/ ሺፕፐርስ ኩባኒያ ኔዘርላንድስ ጄሮን ቤይጀርን ብምርኻብ ተዛቲየን።

እቲ ኩባኒያ ቅድም ክብል ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሃፍቲ እንስሳ ኣብ ዝጀመሮ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ልውውጥ ሓሳብ ከምዝተላዘቡ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ሂሩት፥ እቲ ኩባንያ ልዕሊ 160 ሚሊየን ሃፍቲ እንስሳት ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሃፍቲ እንስሳ ንምውፋር ዘርኣዮ ተበግሶ ንኢደን።

ቤይጀር ብግደኦም፥ ንፅህንኡ ዝሓለወ ውፅኢታዊ ክንክን እንስሳት ብምክያድ ዓቕሚ ፋይናንስ ሰብ ዋና እንስሳት ንምድጋፍ ትካሎም ከምዝሰርሕ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment