ኩባንያ ሁዋዌ መሰረተ ልምዓታት ሓይሊ ንምዝማን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝ ንኽገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይናዊ ኣፍራዪ ኤሌክትሮኒክስ ኩባኒያ ሁዋዌ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረተ ልምዓታት ሓይሊ ንምምሕያሽን ንምዝማንን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝ ንኽገብር ተሓቲቱ፡፡

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)÷ ምስ ፕሬዚዳንት ህዋዌ ኣብ ዞባ ምብራቕና ማእኸላይን ኣፍሪካ ጄሪ ቼን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ህዋዌ ዘለዎ ልምዲን ዓቕሚን ብምጥቃም ኣብ ኢትዮጵያ ምሕደራ ሓበሬታ ሃፍቲ ማይ ንምዝማን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንኽሕግዝ እቶም ሚኒስትር ሓቲቶም፡፡

ኣብ ስራሕቲ ምዝማን ኣገልግሎት ቀረብ መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ኣብ ዓውዲ ልምዓት ኢነርጂን እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ትግበራ ኣውቶሜሽን ምስቲ ኩባንያ ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ እውን ሓቢሮም።

መሰረተ ልምዓታት ሓይሊ ንምምሕያሽን ንምዝማንን ኣብ ዝግበር ከይዲ እቲ ኩባንያ ተሳትፎ ንኸዕቢ ምሕታቶም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment