ኩባንያታት ብራዚል ኣብ ዓውዲ ልምዓት ኢንጂነሪንግ ኢትዮጵያ ንምውፋር ባህጊ ከምዘለወን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያታት ብራዚል ኣብ ዓውዲ ልምዓት ኢንጂነሪንግ ኢትዮጵያ ንምውፋር ባህጊ ከምዘለወን ገሊፀን።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስቴርን ምስ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ሉዊዝ ኤድዋርዶንን ካልኦት መሳርሕቶምን ተዛቲዮም።

ኣብ ኢነርጂ ብፍላይ ሓይሊ ሶላር ንምልማዕ፣ ፅሩይ መስተ ማይ ፍሎራይድን ሓዊሱ “ዝተበከለ” ማይ መሐከሚ ቴክኖሎጂ ብዝምልከት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ተላዚቦም።

ስለዝኾነ እቲ ሚኒስቴርን ኤምባሲን ብሓባር ንምስራሕ ተወካሊ መዲቦም ንምስራሕ ምስምመዖም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment