ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍርያ ኩባኒያ ቦይንግ ዝኾና ክልተ ኣውሮፕላናት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ኣብ ኢንዶነዢያ ከምኡ እውን 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ስድራቤት ተጎዳእቲ ካሕሳ ንምኽፋል ቃል ዝኣተዎ ክፍሊት 500 ሚሊየን ዶላር ምሃብ ከምዝጀመረ ተገሊፁ፡፡
ኣብ ክልቲኦም በረራታት ብዝበፅሐ ሓደጋ ምሕምምሻሽ ህይወት 346 ሰባት ምሕላፉ ይዝከር፡፡
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 መበገሲኣ ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ናብ ኬንያ እናበረረት ዝነበረት ኣውሮፕላን ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት 149 ሰባት ከምዝሓለፈን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 32 ሰባት ኬንያውያን ከምዝነበሩን ይፍለጥ፡፡
ስድራ ቤት ናይቶም ኬንያውያን ተጎዳእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባኒያ ከፊቶምዎ ዝነበሩ ክሲ ንምልዓል ፍቓደኛታት ብምዃኖም ክፍሊት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርቢን ነናብ ሕድሕዶም ባንኪ ኣካውንት ኣታዊ ከምዝተገበረሎም ተሓቢሩ፡፡
ኩባኒያ ቦይንግ እቶም ሓደጋታት ምስ ኣጋጠሙ፥ ምስ ኤርባስ ተወዳዲሰሩ ኣትራፊ ከይኸውን ኣብ ፅዕንቶ ወዲቑ ከምዝነበረ ይዝከር ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።