ኩባኒያ መፍረዪ ወረቀት ብሪቲሽ ኣብ ሩሲያ ዝርከብ ፋብሪክኡ ከምዝሸይጥ ማዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያ መፍረዪ ወረቀትን መዕሸጊን ‘ሞንዲ’ ብሪቲሽ ካብ ሩሲያ ሙሉእ ብሙሉእ ለቒቑ ንምውፃእ ኣብታ ሃገር ዝተረፎ ናይ መወዳእታ ፋብሪካ ንምሻጥ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ እቲ መፍረዪ ወረቐት ኣብ ሞስኮ ንዝርከብ ሃናፂ ሪል ስቴት ገንቢ ሴዛር ግሩፕ ብ80 ቢሊየን ሩብል ማት እውን ብ825 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ንምሻጥ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ገሊፁ።

ኣብ ሩሲያ ወረቐትን ካርቶንን ብምፍራይ ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ዘቕርብ ፋብሪካ እንትኸውን÷ 4 ሺሕን 500 ንዝኾኑ ዜጋታ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ከምዘኾነ ተሓቢሩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ መዛዘሚ 2022 ብሓፈሻ ናብ 1 ነጥቢ 16 ቢሊየን ዶላር ዝፅጋዕ ኣታዊ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

እ ኩባንያ ካብ ኤጀንሲ ፀረ-ሞኖፖሊን ኢንቨስትመንታትን ሩሲያን ካብ ዝምልከቶ ኮሚሽን መንግስቲን ፍቓድ ከምዝረኸበ ዝገለፀ እንትኸውን÷ ከይዲ መሸጣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኩባኒያ ሞንዲ ኣብ ልዕሊ 30 ሃገራት 22 ሺሕ ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ዓለም ለኻዊ ኣፍራዪ ወረቐትን መዕሸጊን እንትኸውን÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2022 ጥራሕ 9 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment