ኩባኒያታት ወፃኢን ሰብ ሃፍቲን ኣብ ዘፈር ሕርሻን ቱሪዝምን ንኽዋፈሩ ፅቡቓት ዕድላት ብስፍሓት ምፍላጥ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኩባኒያታት ወፃኢን ሰብ ሃፍቲን ኣብ ዘፈር ሕርሻን ቱሪዝምን ንኽዋፈሩ ፅቡቓት ዕድላት ብስፍሓት ምፍላጥ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኖርዲክ ትሬዲንግን ኣጋር ትካላቱን “ህያባት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ ዓለም ለኸ መርሃ ግብሪ ምድላው ዘርጊሑ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብረቱካን ኣያኖ ከምዝገለፀኦ፥ እቲ ምድላው ኢትዮጵያ ዘለዋ ባህሊ፣ ሓድጊን ክብሪን ብብርኪ ዓለም ምፍላጥጥ ምስሊ ኣብ ምህናፅን ምሕዳስን ናይ በዕሉ ግደ ዝፃወት ስለዝኾ ረብሕኡ ልዑል ኢ ኢለን።

መለለዪ ኢትዮጵያ ዝኾነ ጣፍ፣ እንጀራን ባህላዊ ምግቢታትን መሰረት ብምግባር፥ ክብሪታትና፣ ስርዓት ቡንናን ኣብ ካልኦት መለለዪን መግለፂን ኢትዮጵያ ብምድሃብ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ንምፍላጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩለመዳይ ህያብ ንዓለም ንምፍላጥ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢለን።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ከምዝበለኦ፥ እቲ ፌስቲቫል ናይ ወፃኢ ኩባኒያታትን ሰብ ሃፍቲን ኣብ ዘፈር ሕርሻ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ተሓጊዘን ኣብ ኢንቨስትመንት ንኽዋፈሩ ዘነቓቕሕ ስራሕ ዘሳልጥ፣ ቅልጡፍ ዕቤት ሃገርን እዋናዊ ኩነታትን ንወጻኢ ሃገራት ንምፍላጥ ህንፀት ምስሊ ዝሰርሕ ኢዩ።

ኣብቲ ዓውዲ ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲ ተዋፊሮም ንባዕሎምን ሃገሮምን ተረባሕቲ ዝገብሩሉ ዕድል ከምዝፈጥር እተን ሚኒስትር ዘለወን ምነት ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment