ኩባኒያታት ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ፕሬዚዳንት ፑቲን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያታት ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን ኣፍሊጦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ምስ ሓለፍቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት÷ ኩለመዳይ ርክብ ሩሲያን ኢዮጵያን ብዝምልከት ካብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽ ሂቦም፡፡

ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያን ሩሲያን ጥንኩር ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ብዝምልከት ኩባኒያታት ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ኢነርጂ ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ብምግላፅ÷ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝተዛተዩ ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ኣፍሪካ ዝመፅኡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ኣብ ሩሲያ ከምዝተምሃሩ ብምሕባር÷ ኣብ ፃንሒቶም እውን ቋንቋ፣ ባህሊን ልምዲን ሩሲያ ፈሊጦም ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ፀሪሖም፡፡

ሩሲያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ኣብ ርክብ ሩሲያ-ኣፍሪካን ምትሕብባበር ደቡብ ንደቡብን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment