ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዘካተተ ርክብ መርበብ ሓበሬታ ንኽህሉ እናተሰርሐ ምዃኑ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛሪበን።
“ናብ ሓዱሽ ጉዕዞ” ብዝብል ብኣሰናዳእነት ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮም ንዘሓለፈ ሓደ ዓመት እናተኻየደ ዝነበረ መዛዘሚ ቀዳማይ ምዕራፍ ጉባኤ ብበይነ መረብ ሓበሬታ ተኻይዱ፡፡
ነቲ ጉባኤ ብመደረ ዝኸፈታ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ክኸውን ንምግባር ንውልቀ ዘፈር ክፍቲ ከምዝተገበረ ተዛሪበን፡፡
ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ርክብ መርበብ ሓበሬታ ንኹሉ ማሕበረሰብ ተበፃሒ ንምግባር ትሰርሕ ኣላ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ መካተትቲ ዝኾኑ ዲጂታል ኢኮኖሚታት ንምህናፅ ዘኽእል ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ቀሪፃ ተግባራዊ እናገበረት ከምዝኾነት ኣብሪሀን፡፡
ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ እናገበረት ምዃና ዝገለፃ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ፥ብብርኪ ዓለም ዝተራኸበን ዝተኻተተን ርክብ መርበብ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኣብ ውሽጢ ዘፈር ቴሌኮም ዘሎ ምምሕያሽ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።