ኩሎም ኢትዮጵያውያን ቂምን በቐልን ብምሕዳግ ንሃገሮም ሰላምን ምርግጋዕን ንኽነጥፉ መራሕቲ ሃይማኖት ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩሎም ኢትዮጵያውያን ቂምን በቐልን ብምሕዳግ ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ሃገሮም ንኽነጥፉ መራሕቲ ሃይማኖት ፀዊዖም።

በዓል ልደት እንትነኽብር ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብ ክኸውን ከምዝግባእ እውን እቶም መራሕቲ ሃይማኖት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ፓትሪያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌልን ፕሬዚዳንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ቀሲስ ዮናስ ይገዙን፥ ፅባሕ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝኽበር በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም መራሕቲ ሃይማነኖት ኣብዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝገለፁዎ፥ ሰላም መሰረት ኩሉ ነገር ምዃኑ ብኣግባቡ ብምግንዛብ ሰላም ክህውኹ ካብ ዝኽእሉ ነገራ ብምዕቃብ፤ ኢሉ እውን ዋርዲያ ሰላም ምዃን ቀዳማይ ተግባር ኩሎም ዜጋታት ክኸውን ይግባእ ክብሉ ምዒዶም።

ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ፓትሪያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ “በዓል ልደተ ክርስቶስ ምሕረትን ይቕሬታን ንኹልና ምግባሩ ብምምህሃር ዝኽበር በዓል ኢዩ” ኢሎም።

ስለዝኾነ ሰላም እንተዘይ ሃልዩ ሃይማኖታዊ ስርዓት ይኹን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ምስላጥ ኣይከኣልን ዝበሉ ብፁእነቶም፥ ስእነት ሰላም ናብራ ሰባት ብምንጋዕ ሓፈሻዊ ሓጎስ እዚ ዓለም ዕንቅፋት ስለዝኾነ፤ ኩሉ ሰብ ኣብ ህንፀት ሰላም ግዲኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝበ ክርስትያን እቲ በዓል እንተኽብር ዓቕሚ ንዘይብሎም ብምሕጋዝን ዝተፃልኡ ብምትዕራቕን ክኸውን ይግባእ እውን ኢሎም።

የኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ሊቀ ጳጳስ ብፁእ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል በበኩላቸው “ሀገር ያለህዝብ ህዝብም ያለ ሀገር መኖር እንደማይችል አውቀን አገሪቷን ከጥፋትና ከክፋት መንገድ ልንጠብቃት ይገባል” ሲሉ አስገንዝበዋል።

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል ብግደኦም፥ “ሃገር ብዘይ ህዝቢ ህዝቢ እውን ብዘይ ሃገር ክነብሩ ከምዘይኽእሉ ብምፍላጥ ነዛ ሃገር ካብ መመገዲ ጥፍኣትን ክፍኣትን ክንሕልዋ ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

“ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምትእምማን እናጠፍአ ሎሚ ሓው ኣብ ልዕሊ ሓዉ እንትለዓል ንርኢ ኣለና” ዝበሉ ካርድናል ብርሃነ እየሱስ፥ ዜጋታት ንዘመናት ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ብሃይማኖቶም ወይ ድማ ብሄሮም ምኽንያት እናተመዛበሉ ከምዝኾኑን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምቅፃል ኣብያተ እምነታት ዘሕዝን ፍፃመ ምዃኑ ገሊፆም።

ከምዚ ዓይነት ዘሕዝን ግብሪ ንምውጋድ፥ ኩሉ ሰብ ንሰላምን ይቕሬታን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ክነጥፍ ኣለዎ ኢሎም።

“ንዝተፀገሙ ሰባት ዝሓስብ ሰብ ብፁእ ኢዩ፤ ንፅጉማት ብምሕጋዝ ካብዘለዎ ብምክፋልን በዓል ልደት ምስ ዝተፀገሙ ብሓባር ምሕላፍን ይግባእ” ብምባል ድማ ኣተሓሳሲቦም።

ፕሬዚዳንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ቀሲስ ዮናስ ይገዙ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእቲ ድማ፥ ምእመኑ በዓል ልደት እንተኽብር ንሃገር ሰላም፣ ንሓድነት ህዝቢታት፣ ፍቕሪን ምክእኣልን ብምሕሳብ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment