ኩልና ተሓጋጊዝና እንተሰሪሕና ዘይንሳገሮ ብራኸ ድኽነት የለን – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩልና ተሓጋጊዝና እንተሰሪሕና ዘይንሳገሮ ብራኸ ድኽነት የለን ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ካልኣይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ወሰን ቃላይ ሃዋሳ ኣጀሚረን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝገለፀኦ÷ ዝትከሉ ፈልሲታት ምክንኻን ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር) ብግደኦም÷ ፈልሲ ምትካል ካብ ዝጅመር ንደሓር ከም ሃገር ማይ ከርሰ ምድሪን ሽፋን ደኒን እናተመለሰ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ብግደኦም÷ “ተኽሊ ብግቡእ ተኺልና እንተተኸናኺንና ሃፍቲ ማይና ዝተመሓየሸ ክኸውን ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ልዕሊ 800 ሚሊየን ፈልሲታት ዝተተኸለ እንትኸውን÷ ኣብዚ ዓመትት ድማ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ወሰን ማይ ነልብስ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 316 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም።

ብጥላሁን ይልማን ጀማል ከዲሮን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment