ኩሉ ኢትዮጵያዊ “ኢትዮጵያ” ዝብል ናይ ናፅነትን ሰዓራይነትን ሽም ካብ ዘንፀላለወሉ ሓደጋ ንምሕላው ናይ ታሪኽ ሓደራ ኣለዎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊያንን ትዉልደ ኢትዮጵያዊያንን ኩሎም “ኢትዮጵያ” ዝብል ናይ ናፅነትን ሰዓራይነትን ሽም ካብ ዘንፀላለወሉ ሓደጋ ንምሕላው ናይ ታሪኽ ሓደራ ኣለዎ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣገንዚበን።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣመልኪተን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ካብ ዘንፀላለዋ ሓደጋ ንምድሓን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ናይ ታሪኽ ሓደራ ኣለዎ ክብላ ገሊፀን፡፡

ኣቢያተ እምነት፣ ኣረጋውያንን ኣዴታትን ብፀሎት፣ ዓበይቲ ሰባት ሰላምን ፀፅታን ከባቢኦም ብምሕላው፣ መናእሰይ ናብ ግምባር ብምዝማት፣ ብታሪኻዊ ፀላእቲን ናይ ውሽጢ ባንዳታትን ብሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተሃቀነ ከም ሃገር ናይ ምህላው ሓደጋ ዝኾነ ይኹ መስዋእትነት ብምኽፋል ምምካት ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ንኢትዮጵያ ቆሪሱ ዝሸይጥ ዘይኮነስ ግዝኣታዊ ሓድነታ ከኽብር ዝወሰነ፣ ዝደራደረላ ዘይኮነስ ዝደምየላ፣ ዝቐትላ ዘይኮነስ ክሞተላ ዝተልዓለ መራሒ ከምዘለዋ እውን ገሊፀን።

“እዚ ወለዶ ኢትዮጵያ ዓፅማ ክሳብ ዝቐሪ ፍሒቖም ዝዘረፉዋ፣ ታሪኻ ኣንኢሶም መተዓዛዘቢት ዝገበሩዋ፣ ብሰፈርን ብጎጥን ከፋፊሎም ዘንአሱዋ ነኸስቲ ጡብ ኣዶ ባንዳታት ሆ! ኢሉ ምስ ታንኪን ስናይፐርን ተዋዲቑ ናብ ዝመፅኡሉ ዝፋኑ ጅግና ወለዶ ኢዩ” ኢለን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ መልእኽተን÷ “እዚ እዋን ዝድቀሰሉ እዋን ኣይኮነን፣ ንቕሑ! ተለዓሉ! ኣብ ቅድሚ ፀረ ኢትዮጵያ ኣተሓሳስባ ዘራምዱን ታሪኻዊ ፀላእቲን ሕብረት ፈጢሮም ዝዋግኡና ደው ንበል! ንቕበሮም እውን” ክብላ ፃውዒት ኣቅሪበን።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment