ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንሰላምን ሓድነት ሃገርን ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ንኽዋፃኣ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንባዕሉ ካብ ራዕዲን ጎንፂን ብምርሓቕ፣ ንሰላምን ሓድነት ሃገርን ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ንኽዋፃኣ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ሎሚ መዓልቲ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ድሕንነትን ፀፅታን ኣድሂቡ ድሕሪ ምዝታይ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ካብ ሰላምን ድሕንነት ሃገርን ብተፃራሪ ተሰሊፉ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ሰብ፣ ኣካልን ጉጅለን ሕጊ ብዝፈቕዶ ግቡእ ሕጊን ፀፅታ ናይ ምኽባርን ስራሕ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

“ድሕንነትና ብምርግጋፅ ከም ሃገር ዕዉት እዋን ንኽነሕልፍ እቲ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣበርቲዑ ይሓትት” ክብል ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣፍሊጡ።

ዝቕፅሉ መዓልቲታት ንህዝበ ክርስትያን ይኹን ህዝበ ሙስሊም ቅነ በዓልት ከም ምዃኖም መጠን፤ ኣመንቲ ብምትሕብባን ብምርድዳእን ድሌት ፀላእቲ ብምፍሻልን ሓበራዊ ድሕንነትቱ ብምርግጋፅን ከም ሃገር ዕዉት እዋናት ከሕልፍ ከምዝግባእ ገሊፁ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ድሕንነትን ፀፅታን ኣድሂቡ ካብ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ

ዝተኸበርኩም ህዝቢታት ሃገርና፣

ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብዚ በፂሓ ዘላ በቢ ዘበኑ ዝገጥሙዋ ፈተናታት ብዓወት እናተሳገረት ኢዩ፡፡ ንኽትጠፍእ ዝደልዩ ሓይሊታት ከጥፍኡዋ እንትለዓሉ ኩሉ ግዘ ሰለስተ ሓይሊታት ከምዝጥቀሙ ይፍለጥ።

እቶም ናይ መጀመርታ ዝጥቀሙሎም ኩሉ ግዘ ዘይድቅሱልና ፀላእትና ኢዮም፡፡ እዞም ፀላእቲ ፀላእነቶም ጠጠው ዘብሉ ትበሃል ሃገር ካብ ገፀ ምድሪ እንትትጠፍእ ጥራሕ ኢዩ፡፡ እዚ ትምኒቶም ንኽዕወት ድማ በይኖም ኣይሰርሑን፡፡ ተለኣኣኺ ኣለዎም፡፡ እዚኣቶም ድማ እቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ ኢዮም፡፡ ንገንዘብን ንውልቀ ረብሐኦምን ክብሉ ወገኖም ከም ይሁዳ ዝሸጡ፣ ሃገር ዝሃቦም እምነት ብሽራፍ ሳንቲም ዝልውጡ ሃገር ኣልቦ ብሕቱዋት መሊኦም ኢዮም፡፡ ዝተዛረቡዎ ኮይኖም ዘይርከቡ፤ ምሸት ምሸት ምስ ፀላኢ ሽርሒ እናሰርሑ ንወገን ዝኽሕዱን ሃገር ንምፍራስ ጉድጓ ዝፍሕሩን ኢዮም።

እቶም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝቕመጡ ድማ ብዘይፍላጥ ናይቶም ክልተ ኣካላት ተሓባበርቲ ዝኾኑ ኢዮም፡፡ ግዲ ዘይብሎም፣ ዝገብሩዎ ነገር ዘስዕቦ ውፅኢት ብዘይምግማት ብዘምፀአሎም ልኡኽቶ ፀላኢ ዝፍፅሙ መውዐሊኦም ዘይፈልጡ ኢትዮጵያውያን ኢዮም፡፡ እዞም ኢትዮጵያውያን ሓደ ነገር ተቐቢሎም ምውራይ ወይ እውን ግበሩ ዝተብሃሉዎ ነገር ምግባሮም፤ ወይ እውን እንተይመርመሩ ዝሃቡዎም ሓበሬታ ኩሉ ምምሕልላፎም እምበር ኣብ ልዕሊ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘስዕቦ ጣጣ ኣይምርምሩን፡፡ እንተመርመሩ እውን ጉድኣት ምሰብፀሐ ዝናስሑ ጥራሕ ኢዮም።

ኢትዮጵያ ብዝበለፀ እናተፈተነት ትርከብ በዞም ክልተ ኣካላት ኢያ፡፡ ታሪኻዊ ፀላእትና ጨላልቃ ቁርፆም ዝተፈለጠ ፀላእትና ኢዮም፡፡ እዚኣቶም ግና ብእዋኑ ልቢ እንተይበልናዮምደጋጊሞም ዋጋ ዘኽፍሉና ኢዮም፡፡ በዚ መልክዕ ክሳብ መዓዝ? ነዚ ሕቶ ኩልና ጠጠው ኢልና ምላሽ ክንህበሉ ይግባእ።

ለውጢ ካብ ዝመፅ ጀሚሩ ከም ሃገር ብብዙሕ መልክዑ ተፈቲንና ኢና፤ ዝሰነቕናዮ ተስፋ ከይንርኢ ዝኽልክሉ ክንደይ ዕንቅፋታት ገጠሙና? ክንደይ ተሳገርና? ብኽንደይ ወደቕና? ሓደ ብሓደ እንተንዝርዝሮ ቁፅሩ ቀሊል ኣይኮነን። እዞም ፈተናታትዝመፅኡ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተፀርሑ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፡፡ ለውጢ ከይዕወትን ኢትዮጵያ ጥንክርቲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኮይና ከይትወፅእ ንምግባር ዓቕሞም ዝፈቐዶ ገይሮም ኢዮም። ኢትዮጵያውያን ብዝርኢ ተኸፋፊሎም ሕድሕዶም ንኅጋጨዉ፣ ሃገር ብኢኮኖሚ ንኽትዳኸም፣ ሃገር ተሸኪሞም ዝነበሩ ትካላት ንኽፈርሱ ኣበርቲዖም እናሰርሑ ነይሮም፡፡ ሚዲያን ጦር መሳርሒን ዝተዓጠቑ ሰባት ብምጥቃም ማሕበራዊ ክብርታትና ንምብታኽ፣ ናይ እምነትን ማሕበራዊን ትካላት ንምቅፃል፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ራዕዲ ንምንዛሕን ዜጋታትና ዕረፍቲ ንምኽላእን ክፉእ ዝበሃሉ ተግባራት ኩሎም ፈፂሞም ኢዮም፡፡ ዝፈፀሙዎ እኩይ ተግባር ኣዚዩ ዘስካሕኽሕን ዜጋታትና ዝጎድአ ይኹን እምበር፤ ኢትዮጵያውያን ህብረ ብሄራዊ ሓድነቶምን ንሃገሮም ብዘለዎም ፅኑዕ ፍቕሪን ፀላእትና ዝደልዩዎ ሽቶ ከዕውቱ ኣይከኣሉን።

ፍቱዋት ኢትዮጵያውያን፣

ቅድሚ ለውጢ ትካላዊ ስብራት ካብ ሞንጎ ዝገጠሞም ትካላት ሕጊን ፀፅታን ይርከቡዎም፡፡ እቶም ትካላት ንኽስበሩ ዝተገበሩ ኮነ ተባሂሉ ዕላማ ታሪኻዊ ፀላእትና ንምዕዋት ኢዩ፡፡ ኣብ ሃገርና ስልጣንን ሃፍቲን ሒዞም ዝነበሩ ተለኣኣኽቲ ታሪኻዊ ፀላእትና፣ ትካላት ሕጊን ፀፅታን ኣብ ኣፍ ሞትን ህይወትን ንኽነብሩ ገይሮምዎም ነይሮም፡፡ ድሕሪ ለውጢ ኣብዞም ትካላት ብዝተሰርሐ ስራሕ ህልውና ኢትዮጵያውያን ንምድሓን ናብ ዝኽእሉሉ ብርኪ ምብፃሕ ተኻኢሉ ኢየ፡፡ ክሳብ ሕዚ እቶም ትካላት ንምጥንኻርን ንናይ ሎሚ ፀገማት ምላሽ፣ ንፅባሕ ፈተናታት ድሉዋት ክኾኑ ንምግባር እንትበሃል፣ እናሕመና እውን እንተኾነ ብዙሓት ፀገማት ተሸኪምና ንምሕላፍ ተገዲድና ኢና።

ይኹን እምበር ትዕግስቲ እውን ልክዕን መጠንን ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትካላት ድሕንነትን ፀፅታን ኣብ ዝሐሸ ቁመና ስለዝርከቡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነ እዋን ተመጣጣኒ ምላሽ ካብ ምሃብ ንደሓር ኣይንብልን፡፡ ምስ ፀፅታን ድሕንነትን ዝተትሓሓዙ ፀገማትና ብዘላቕነት ንኽፍትሑ ናይ ብዙሓት ኣካላት ርብርብን ምርድዳእን ከምዝሓትት ጥርጥር የብሉን፡፡ ንዓና ዘርዕዱን ንዓና ዘሳቕዩን ፀላእቲ ህዝቡ ድፋዕ ዝኸውን እንተኾይኑ፤ ፃዕሪ ኣካላት ፀፅታ ጥራሕ በይኑ መፍትሑ ኣየምፅእን፡፡ ስለዝኾነ ሕድሕድ ዜጋ፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሚዲያታትን ካልኦትን ዓይኒ፣ እዝኒን ቅልፅምን ህዝቢ ኮይንኩም ትሰርሑ ኣካላት ምስ ትካላት ፀፅታ ብምውዳድን ብምርድዳእን ንምስራሕ ብሙሉእ ልቢ ቆራፃት ክትኮኑ ይግባእ።

ኣብ ጎዳና ለውጢ ብምጉዓዝ ዴሞክራሲ ዝሃንፁ ሃገራት ኣብ ሞንጎ ክልተ ጫፍ ጠጠው ዝብል ፈተና የጋጥሞም፡፡ ብሓደ ወገን ምህናፅ ባህሊ ዴሞክራሲ እንትኸውን፤ ብኻሊእ መልክዑ ድማ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢን ሃገርን ብጥብቂ ምኽባር ኢዩ፡፡ ባህሊ ዴሞክራሲ ንምህናፅ እንትንለዓል ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምኽባር ንወስዶም ስጉምቲታት ድማ ባህሊ ዴሞክራሲ ከየዳኽሙ ብሚዛን ምንቅስቓስ ይግበአና፡፡ ክልቲኦም ሚዛናት ንምስላጥ ድማ ሕድሕድ ዜጋ፣ ትካል፣ ፓርቲ፣ ጉጅለ፣ ወገን፣ ትፅቢት ዝግበረሉ ክገብር ኣለዎ፡፡ ትካላት ሕጊን ፀፅታን እውን ሕገ-መንግስታዊን ታሪኻዊን ሓላፍነቶም ክዋፀኡ ኣለዎም።

ስለዝኾነ እው ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጋጭዉ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን፣ ናይ ሕሶት ሓሬታታን ብግዋሕ ሰላም ህዝቢን ሃገርን ዝኀልኡ ኣካላት፣ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተዓጢቖም ሰላም ህዝቢ ዝኸልኡን ንታሪኻዊ ፀላእትና ብተለኣኣኻይነት ዘገልግሉ ጉጅለታት፣ ብወራር መሬትን ስርቂን ናይ ምትላል ተግባራት ዝተዋፈሩ፣ ምንቅስቓስ ህዝቢን ትራንስፖርትን ዝህውኹ፣ ተግባራት ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ዘተዓናቕፉ፣ ብመፅናዕቲን ብሓሬታን ብምፍላይ ኣድላዪ ዘበለ ወፍሪ ምኅባር ሕጊ ንኽውሰድ እቲ ቤት ምኽ ድሐንነት ወሲኑ፡፡ ብተመሳሳሊ ዋጋ ምግቢን መሰረታዊ ጠለባትን ንኽህር ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘልሕኹ ነጋዶ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ።

ወለዲ ደቅኹም፣ ዓበይቲ ዓዲ መናእሰይኩም፣ ኣቦታት ሃይማኖት መእመናትኩም፣ መራሕቲ ውድባት ኣባላትኩም፣ መራሕቲ ዓሌት ወገናትኩም፣ ብምምካር ኩሉ ኢትዮጵያዊ ካብ ጎንፂን ራዕዲን ንባዕሉ ኣርሒቑ፣ ንሰላምን ድሕንነት ሃገርን ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ንኽዋፃእ ንኽትገብሩ በዚ ኣጋጣሚ ፃዒትና እናቕረብና፣ ካብዚ ብተፃራሪ ተሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ሰብ፣ ኣካልን ጉጅለን ሕጊ ዝፈቕዶ ግቡእ ሕጊን ስራሕቲ ምኽባር ፀፅታን ከምንወስድ ነፍልጥ።

ዝቕፅሉ መዓልቲታት ንህዝበ ክርስትያን ይኹን ህዝበ ሙስሊም ቅነ በዓልት ከም ምዃኖም መጠን፤ ኣመንቲ ብምትሕብባን ብምርድዳእን ድሌት ፀላእቲ ብምፍሻልን ሓበራዊ ድሕንነትና ብምርግጋፅን ከም ሃገር ዕዉት እዋናት ክሕልፍን እቲ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣጥቢቑ የሓትት።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት

14 ሚያዚያ፣ 2014 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment