ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ-ካናዳውያን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ማዕቐብ ጉዕዞ ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ብምቅዋም ኣብ ከተማ ካልጋሪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቶም ትውልደ ኢትዮጵያውያን፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዘብፀሖ ሰብኣዊ ጭፍጨፋ ስዒቡ መንግስቲ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ምቕራብን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝድግፉ ገሊፆም።
ይኹን እምበር እቲ ኩነት ስዒቡ መንግስቲ ኣሜሪካ ወድዓዊ ሓቂ እንተይመርመረ ብዝተሰሓሓተን ሓቂ መሰረት ዘይገበረን ኩነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕረ ምስ ፈጠርቲ ራዕዲ ብምምልካት ማዕቐብ ምባሩ ስሕተት ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡
ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሓገዝ ዜጋታታ ትደልየሉ እዋን ከምዝኾነ፣ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይ ሃይማኖት፣ ብሄርን ፆታትን ኣፈላላይ ብሓድነት ጠጠው ብምባል ሓገዝ ክገብር ከምዝግባእ እቶም ሰልፈኛታት ኣገንዚቦም።
ኣሜሪካ ትኹን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናፈጠራ ዝርከባ ድኻ ሃገር ብምዃና ዝገለፁ እቶም ሰልፈኛታት፥ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዝግበር ፃዕሪ ብዝተፈላለየ መገዲ ከምዝድግፉ ተዛሪቦም።
ናብ ኢትዮጵያ ዝልእኹዎ ገንዘብ ብሕጋዊ መገዲ ጥራሕ ከምዝልእኹ፣ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ምልኢት ማይ ንኽካየድን እቲ ፕሮጀክት ንኽዛዘምን ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ መሰረት ንኽህልዎ ክግፍን ዘየድሊ ፅዕንቶ ካብ ምንባር ንኽቑጠብን ምሕታቶም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!