ኩሉ ሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ሃገር ከቕድም ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሉ ሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ሃገር ከቕድም ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይጠ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

መራኸቢ ሓፋሽ ንብሄራዊ ረብሓ ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ መራኸቢ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

መራኸብቲ ሓፋሽ፥ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ ብዝሃነት፣ ሰላምን ሓድነትን ኣብ ምሕላው ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ክሰርሓ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም÷ ግዜኢ ኣብ 2022 ድምፂ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ንምዃን እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሓዊሱ ሰብ ሞያ ኮሙዩኒኬሽን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ብሲሳይ ዱላ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment