ኩሉ ሰብ ኣብዘለዎ ብምዃን ንኢትዮጵያ 24 ሰዓት ዘብዒ ክኾን ይግባእ – ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩሉ ሰብ ኣብዘለዎ ብምዃን ንኢትዮጵያ 24ሰዓት ዘብዒ ክኾን ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ብፅንዓት ህዝባ ደው ዝበለት ሃገር ኢያ ዝበለ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ህይወቶም ገቢሮም ክእዝዝዋ ብዝተዳለዉ ደቃ እንበር ንኡሽተይ ሂቦም ብዙሕ ክእዝዝዋ ንዝፍትኑ ተኣማሚና ኣይትፈጥን ኢሉ።

“ኢትዮጵያ ዝፈጠራ ኣምላኻ ኢዩ፤ ዝሃነፅዋ ድማ ደቃ ኢዮም። ደቃ ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ ንዓለም ዘስደመመ ታሪኽ ሰሪሕና ኢና። እቶም ኣደመምቲ ታሪኻት እንትትሰርሕ ሓቢሮምዋ ታሪኽ ዝሰርሑ ፈተውቲ ነይረምዋ። ዝኸሓድዋ ፈተውቲ እውን ነይሮም። እዚ ንኢትዮጵያ ሓዱሽ ኣይኮነን” ብብል እውን ገሊፁ።

ይኹን እንበር ታሪኽ ዘረጋገፆም ክልተ ሓቅታት ኣለዉ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ተንኪፉ ብሰላም ዝነበረ የለን ዝብል ብቐዳምነት ዝፅራሕ ኢዩ ክብል ኣብሪሁ።

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ንሓደ ዕላማ ደው እንተኢሎም ዓወት ምጭባጦም ኣይተርፍን ዝብል ድማ ካልኣይ ኢዩ ኢሉ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ናይ ኢትዮጵያ ኢዩ፤ ኢትዮጵያውያን ሓሲቦም ዝጀመርዎም ኢትዮጵያውያን ዝሃንፅዎ ዘለዉን ብምዃኑ ኢትዮጵያውያን ክዛዝምዎ ኢዮም ክብል ድማ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ዘይተርፍ ከምዝኾነ ኣረጋግፁ እቲ መግለፂ።

“ዘዋፅአና ሕብረትናን ሓድነትናን ኢዩ፤ ንባዕልና ዝበልናዮ ንሕና ምዃና ፈሊጥና ብዛዕባ ናይ ባዕልና ጉዳይ ንሕና ንኢትዮጵያ ኣለናልኪ ንበላ። ኢትዮጵያውያን ሓደ ኮይንና ንኢትዮጵያ ዘብዒ ንኹን” እውን ኢሉ።

“እቲ ዝኸበደ ፈተና ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ኣይኮነን፤ ዝኸበደ ዝኸውን ተፈላሊና እቲ ፀገም እንተተጋፊጥና ኢዩ” ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment