ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝኽሪ በዓል ምስረታ እዚ ሰሜን ምዕራብን ኣብ ዝሓለፉ ዓውደ ውግኣት ብብቕዓት ተልእኾኦም ንዝፈፀሙ ኣባላት ኣፍልጦ ንምሃብን ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ኣብ ወልቃይት ፀገዴ ሰቲት ሑመራ ተኻይዱ፡፡
ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ሜጀር ጀኔራል ጌታቸው ጉዲና ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ÷ ራዕዳውያን ብሓባር ብምዃን ህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ልዑል ፃዕሪ ምግባሮም ብምግላፅ፤ እዚ ሕልሚ ራዕዳውያን ኮንቱ ንኽተርፍ ዝገበሩ ኣካላት ክብሪ ይግበኦም ኢሎም፡፡
ኣብ ግንባራት ጉና፣ ጋሳይ፣ ደብረ ዘቢጥን ካልኦትን ተቃዲቑ÷ ጎንደርን ባሕር ዳርን ንምእታው ዝነበረ ሕልሚ ጸላኢ ቅሂሙ ኣብ ቀረብኡ ዝነበረት ጨጨሆ ክትናፍቖ ስለዝገበሩ ክብሪ ከምዝግበኦም ገሊፆም።
“ብብልሒ ብብቕዓት ኣካል ናይ ዓቕሙ ዝማዕበለ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሃኒፅና ኢና” ዝበሉ እቶም ዋና ኣዛዚ÷ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡
“ኢትዮጵያ ናብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኢዳ ጠቍማ ኣይትፈልጥን ንቐፃሊ እውን ነዚ ኣይትገብርን” ዝበሉ እቶም ጀነራል፤ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝሕሰብ ራዕዲ ኮነ ወራር ናይ ምምካት ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡
ዋና ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 34 ኮሎኔል ያለው ኣድማሱ÷ ኣዛዚ ኮር 501 ሜጀር ጀኔራል ብርሃኑ ጥላሁን ኣብቲ ክፍለ ሰራዊት ልዑል ጅግንነት ንዝፈፀሙ ኣባላት መራሕቶምን ሽልማት ምሃቦም ኣሚኮ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com