ከፈልቲ ግብሪ ሓላፍነቶም ብግቡእ ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምቕማጥ ከፈልቲ ግብሪ ሓላነፍቶም ብግቡእ ንኽዋፅኡ ሚኒስቴር እቶት ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣይናለም ንጉሴ፥ ዝማዕበለት ኢትዮጵያን ኢኮኖሚኣ ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምቕማጥን ኩሎም ከፈልቲ ግብሪ ሓላፍነቶም ክዋፅ ከምዝግባእ ገሊፀን።

እተ ሚኒስቴር ምስ ከፈልቲ ግብሪን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 360 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ 336 ነጥቢ 71 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ እዚ ምስ ዝሓፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 57 ነጥቢ 49 ቢሊየን ብር ሓለፋ ከምዘለዎ ተዛሪበን፡፡

“እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት 450 ቢሊየን ብር ንምእካብ ከምዝሓሰበን እቲ ትልሚ ንምዕዋት ኩለመዳይ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም“ ኢለን።

መንግስት ግብር ከመሰብሰብ ግብር ከፋዩም ግብር ከመክፈል በተጨማሪ ኢትዮጵያን ለማሳደግ በጋራ ተቀራርበን መስራት ይኖርብናል ብለዋል።

ኣብቲ መድረኅ ዘተ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 2014 ዓ.ምን ትልሚ ቀፃሊ ዓመተ 2015 ዓ.ም መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ሰፊሕ ልዝብ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment