ከይዲ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንኹሉ ዝሓቁፍ ክኸውን መንግስቲ ቆራፅ ኢዩ – ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንኹሉ ዝሓቁፍ ንክኸውን መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጀመሮ መበል 55 ስሩዕ ጉባኤ መደረ ኣስሚዖም።

ሚኒስትር ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ብቪዲዮ ኣብ ዝቐረበ መደረኦም፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ተሓታትነት ንምርግጋፅ ምድላው ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ እናገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ ነቲ ቤት ምኽሪ መብርሂ ኣቕሪቦም።

ከይዲ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንኹ ዝሓቁፍ፣ ተጎዳእቲ ዘማእኸለን ግልፅነት ዘለዎን ንኽኸውን መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ክሳብ ሕዚ ዝተገበረ ቅድመ ምድላው ብዝምልከት ኣብ ዝገበሩዎ ገለፃ፤ ሓፈሻዊ ሪፖርትን ረቂቕ ፖሊሲን ብዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ ናብ ሚኒስቴር ፍትሒ ምቕራቡ ተዛሪቦም።

እቲ ረቂቕ ብመዳርግቲ ኣካላት ምስተረጋገፀ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ክቐርብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ቤት ፅሕፈት ሰብ ኣዊ መሰላተ ውሕመን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዞባዊ ቤት ፅሕፈት ምብራቕ ኣፍሪካን ኣብቲ ከይዲ ንዝገበሩዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣፈላላያት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ መንግስቲ ዘለዎ ቆራፅነት ምርግጋፆም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጄኔቫ የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment