ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብምጥንኻር ዝተረጋገአት ሃገር ንምህናፅ ዝተጀመረ ስራሕ ከምዝቕፅል ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም።
እቶም ኣባላት ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ረብሐኦም ዝተረፎም ውሽጣዊ ልኡኻት ምስ ናይ ደገ ፀላእቲ ብምትሕብባር ኣብ ሰላምን ድሕንትን ዜጋታት ሓደጋ ብምብፃሕ ብሓባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ምድጋፍን ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ተጠናኺ ዝቕፅል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
አቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ፥ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝጋውሑ ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን ዝንባለታት ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታ ማሕለኻ ከምዝፈጠሩ ኣልዒሎም፡፡
ናይ ውሽጢን ደገን ተለኣኣኽቲ ፅንፈኝነትን ኣኽራርነትን ኣካይዶ ብዝበለፀ ንኽስፋሕፋሕ ተዋዲዶም ብምስራሕ ኣብ ሰላማዊ ዜጋታት ሓደጋ ንኽፍጠር ምግባሮም እውን ገሊፆም፡፡
ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ናይ ምሕላው ስራሕ ብዝተዋደደ መልክዑ ንኽሳለጥ ኣንፈት ምቕማጡን ብምንፅር እዚ ሓላፍነቶም ዘይዋፅኡ ኣመራርሓታት ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/