ከይዲ ኣወሃህባ ፈተና 12 ክፍሊዕት ከምዝነበረ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2014 ዓ.ም ፀገም ምሕደራን ኣወሃህባን ፈተና 12 ክፍሊ ንምፍታሕ ብመንግስቲ ዝተውሃበ ኣመራርሓ እቲ ፈተና ብዕዉት ኩነታት ከምዝተሳለጠ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ልዕሊ 12 ሺሕ ተፈተንቲ “ፈተና ኣይንደልን” ዝበሉ ተምሃሮ፤ ኣብ ስሩዕ ኣወሃህባ ፈተና ኣብ ዝቕፅል ዓመት ፈተና ክወስዱ ከምዝኽሉ ገሊፆም፡፡

ብውልቀ ክፍተኑ ከምዝኽእሉ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ፈተና 12 ክፍሊ 2014 ዓ.ም÷ 948 ሺሕን 322 ተምሃሮ ተመዝጊቦም ልዕሊ 937 ሺሕ ተምሃሮ ፈተና ከምዝወሰዱ ተገሊፁ፡፡

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዘይተፈተኑ፣ ብዝተፈላለዩ ሓደጋታት ኣብ ፈተና ዘይተቐመጡን ዝወለዳ ተምሃሮን ካብ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይበልፅ እዋን ፈተና ክወስዱ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ኣብ ውሽቲ ክልተ ሰሙን ድማ ውፅኢት ተምሃሮ ከምዝግለፅ ተሓቢሩ፡፡

ብትእግስት ብርሃኔ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment