ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ክቕፅል ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቡ ምስ ርእሰ መምህራን ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ክቕፅል ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቡ ካብ ኩለን ኣቢያተ ትምህርቲ ምስ ዝተውፃፅኡ ርእሰ መምህራንን ሱፐርቫይዘራትን ልዝበ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘተ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዳኜ ገብሩ ከምዘፍለጡዎ፥ ርእሰ መምህራን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ብላዕለዋይነት ምክትታልን ምስ ኣካላት ፀፅታ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግበኦምን ኣብገንዚቦም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ካብ ምምሕዳር ከተማ ጀሚሩ ክሳብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ዝከታተል ዓቢዪን ቴክኒክን ኮሚቴ ከምዝጣየሽ ብምግላፅ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወሃብ ፈተና 12 ክፍሊ ብዘይምንም ፀገም ንኽካየድ መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ስዒቡ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ከይፍጠር ምስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ብመራሒ ጉጅለ ትምህርቲ ሱፐርቪዥን እቲ ቢሮ ኣይተ ፀጋየ ኣሰፋ ሓፈሻዊ ትልሚ ቢኤስሲ ሴክተር ትምህርቲ ቀሪቡ ተሳተፍቲ ስፍሕ ዝበለ ዘተ ተገይሩ እቲ መርሃ ግብሪ ከምዝተዛዘመ ካፍቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment