ከይዲ ህንፀት ‘ንኢሌ ፓልም ስፕሪንግ ሎጅ’ እናተቀላጠፈ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ብመርሃ ግብሪ ገበታ ንትውልዲ እናተሃነፀ ዝርከብ ‘ንኢሌ ፓልም ስፕሪንግ ሎጅ’ ከይዲ ህንፀቱ እናተቐላፀፈ ምዃኑ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ተዛሪበን።

ንኢሌ ፓልም ስፕሪንግ ሎጅ ብፕሮጀክት ገበታ ንትውልዲ ኣብቲ ክልል ወረዳ ኣዋሽ ፈንታሌ ቀበሌ ዶሆ እናተሃነፀ ይርከብ።

ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ከይዲ ህንፀቱ ዝተዓዘባ ኣምባሳደር ናሲሴ÷ ህንፀት እቲ ”ሎጅ ብፅቡቕ ኩነታት እናተኻደ ይርከብ፤ ህንፀቱ 24 ሚኢታዊ በፂሑ ኢዩ” ኢለን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እምነ ኹርናዕ እቲ ሎጅ 17 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ከምዘንበሩ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment