ከይዲ ህንፀት ሎጅ ገርዓልታ  47 ሚኢታዊ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ ሎጅ ገርዓልታ ወረዳ ሓውዜን ህንፀቱ 47 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝኾነ ከይዲ ህንፀት ገርዓልታ ሎጅ ብመንግስቲ ፌደራል ኣቢሉ ኣብ ጣብያታት ደብረብርሃንን መጋብን ዝህነፅ ዘሎ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ዘለዎ ብርኪ ንምርኣይ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ወረዳ ዑደት ኣሳሊጦም።

እቲ ዑደት፥ ትንሳኤ ቱሪዝም ሓውዜን ኢሉ ‘ውን እቲ ክልል ኣብ ምርግጋፅን ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ሕብረተሰብ ኣብ ምፍታሕን ዝለዓለ ግደ ክህልዎ ትፅቢት ዝግበረሉ ህንፀት ሎጅ ገርዓልታ ህንፀቱ ኣብ ምንታይ ብርኪ ከም ዝርከብ ክትትል ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገ/ጅወርግስ ገ/ኪዳን፥ እቲ ፕሮጀክት ንልዕሊ 1 ሽሕን 200 ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ሰለጤን ህንፀቱ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ብምሕባር፥ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ተዛዚሙ ግልጋሎት ንኽህብ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ዝገብሮ  ሓገዝን ምትሕብባርን ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ገሊፆም።

ፕሮጀክት ማናጀር ሎጅ ገርዓልታ ገበየሁ ተስፋየ(ኢ/ር)፥ ብመንግስቲ ፌደራል ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ኣብ 100 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ ኢዩ ኢሎም።

ዛጊድ ከይዲ ህንፀቱ 47 ሚእታዊ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፥ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን 2018 ዓ.ም ሙሉእ ብሙሉእ ንምዝዛም ለይትን ቀትርን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ህንፀቱ እንትዛዘም መስሕብ ቱሪስታት ብምዃን ፍልፍል እቶት እቲ ክልል ኣብ ምብራኽን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ኢዩ።

 

Comments (0)
Add Comment