ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ደቡብ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ታሪካ ክልተ ከይዲታት ሃገራዊ ዘተ ኣሳሊጣ ኢያ።

ኮዴሳ (Convention for a Democratic South Africa – CODESA) ብዝብል ዝፍለጥን ካብ 1991 ክሳብ 1993 ዓ.ም.ፈ ዝተሳለጠን ከይዲ ዘተ ኣብታ ሃገር ፈላማይ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ዕላማ እቲ ከይዲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ብምውጋድ ካብ ኣድልዋ ናፃ ዝኾነት ሃገር ምህናፅ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እታ ሃገር ብግዚያዊነት እትመሓደረሉ ሕገ መንግስቲ ናይ ምስንዳእ ዕላማ ዝነበሮ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከይዲ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይምርድዳኣት እንተተፈጠሩ እውን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ፀገማት ብዝርርብ ንክፍትሑ በሪ ዝኸፈተ ኢዩ ይበሃል።

ካልኣይ ከይዲ ዘተ ድማ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖሊቲካ እታ ሃገር ዝተሳተፍሉ መድረኽ ድርድር “Multiparty Negotiation Process – MPNP” ዘበሃል ኢዩ።

እቲ ከይዲ ኣብ 1993 ዓ.ም.ፈ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥  ቅድም ክብል ተኻይዱ ዝነበረ ከይዲ መሰረት ብምግባር ዝተበገሲ ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ከይዲ ኣዝዩ እወንታዊ ውፅኢት ዝተመዝገበሉ እንትኸውን፥ ሓይሊታት እታ ሃገር ዝተስማዕምዑሉ ግዚያዊ ሕገ መንግስቲ ብሓባር ምፅዳቕ ምኽኣሎም ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ደቡብ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ?

ሓቚፊን ኣሳታፊነትን

እዚ ተመክሮ ከም ሃገር ምርድዳእ ንምፍጣር ዘኽአል ቁመና ኣብ ሓፂር ግዘ ንምምፃእ ዘኽአል ኢዩ

ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ዘኽእል መስዋእትነት ምኽፋል

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተሳለጡ ክልተ ከይዲታት ሃገራዊ ዘተ ኩሎም ሓይሊታት እታ ሃገር ኣዝዩ ከቢድ ዝበሃል ምምዕርራያት መትከልን ቅዋምን ገይሮም ኢዮም።

በዚ ድማ እቲ ከይዲ ዕዉት ንክኸውን ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ካልኦት ሃገራት ካብቲ ከይዲ ክወስድኡ ዝግባእ ትምህርቲ ኣቐሚጡ ዝሓለፈ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዙራትን ምዕራፋትን ምክያዱ

ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ዙራት ምክያዱ እቶም ተሳተፍቲ ሚዛናዊ ውሳነታትን ኣካይዳታትን ንክኽተሉ በሪ ዝኸፈተ ነይሩ።

ትዕግስትን ፅንዓትን

ደቡብ አፍሪካውያን ንዘበናት ብዝፀንሐ ኣገዛዝኣ ኣፓርታይድን ካልኦት ተዛመድቲ ፀገማትን ናይ ውሽጢ ሰላሞም ስኢኖም ነይሮም። ይኹን እንበር ኣብቲ ከይዲ ዘተ ዝተሳተፉ ተዋሳእቲ ነቲ ከይዲ ንክሰምር ትዕግስቲን ፅንዓትን ብምውናኖም ውፅኢታዊ ተቐባልነት ዘለዎ ንክኸውን ገይሩ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment