ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ኣሜሪካ ዋሸንግተንን ከባቢኣን ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ተዛቲየን።

እተን ከንቲባ÷ ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምርካብ ኢየን ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንትን ስራሕቲ ቢዝነስን ምስ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ዝተዛተያ፡፡

እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲጄኔሪዮ ኣዋርድ ፓክት ሚላን 2022ን ኣብ ኣርጀንቲና ቦነስ ኣይረስ ዝተኻየደ ሲ 40 ከተማታት ዓለምን ብምዕዋታ ሓጎሶም ገሊፆም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ ክሳብ ሕዚ ዝተረኸቡ ዓወታት ይኹኑ ፈተናታት ንምስጋር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ግደ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ መዘና ኣልቦ ከምዝኾነ ኣልዒለን።

ሕዚ እውን ኣዲስ ኣበባ ካብ ማእኸል ዲፕሎማሲነታሓሊፋ ንነበርታ ምችውቲን ከም ስማ ኣበባ ንምግባርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ÷ ትልሚታት ኢንቨስትመንት፣ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ፣ ንግዲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ስግግር ፍልጠት፣ ማእኸልነት ቱሪዝም ጥዕና እታ ከተማ ኣብ ምዕዋት ተሳትፎ ንኽገብሩ ፃውዒት ምቕራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment