ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ትሑት ናብራ ንዘለዉ ዜጋታት ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲን ማእኸል መሰንከቲ እንጀራ ኣዶታትን ዝውዕል ህንፃ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ኣንቢረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ትሑት ናብራ ንዘለዉ ዜጋታት ዝኸውን ብ300 ሚሊየን ብር ዝህነፅ መንበሪ ኣባይቲን ማእኸል መሰንከቲ እንጀራ ኣዶታትን ዝውዕል ህንፃ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ኣንቢረን።

እቲ ማእኸል ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ዝህነፅ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ማእኸል በዓል 10 ደብሪ እንትኸውን ኣብ ውሽጡ ኣስታት 100 መንበሪ ኣባይቲ ዝሓዘ ኢዩ።

ወፃኢኡ ሙሉእ ብሙሉእ ብምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ከምዝሽፈን ተገሊፁ።

ብማህሌት ተክለብርሃን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment