ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ 3 ፋብሪካታት ባኒ መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ “ሎሚ መዓልቲ ንነበርቲ ከተማና ተወሳኺ ብስራት ዝኾነ ፋብሪካታት ባኒ መሪቕና ከፊትና ኣለና” ኢለን።
እቶም ፋብሪካታት መዓልታዊ 1 ሚሊየን ባኒ ከምዘፍሪዩ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ዕለታዊ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣዲስ ኣበባ ናብ 5 ነጥቢ 2 ሚሊየን ክብ ክብል ከምዝገብሮ ተሓቢሩ።
ምስ ክፍለ ከተማ ብምትሕብባር እቶም ፋርኪካታት ብምህናፅ ንኣገልግሎት ዘብቅዑ ኣልኸይር ፋብሪካ ባኒ፣ ዩኒቲ ዮናንን ፋብሪካታት ባኒ አመስጊነን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።