ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተውፃእፃኣ ደቂ ኣኒስቲዮ ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተውፃእፃኣ ደቂ ኣኒስቲዮ ዘቲየን።

እቲ መድረኽ ዘተ፥  “ብልፅግና ለሴቶች፤ ሴቶች ለብልፅግና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሳለጠ ኢዩ።

እተን ካብ 11 ክፍላተ ከተማ ዝተውፃእፃኣ ልዕሊ 15 ሺሕ ተሳተፍቲ፥ ኣብታ ከተማ ደቂ ኣንስቲዮ ንምብቃዕ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ንኢደን።

ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቴክኖሎጂ፣ ፖለቲካዊን ጉዳያት ዘሎ ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮ ዝጠመቱ ሕቶታትን ርእይቶታትን እውን ኣቕሪበን።

ከንቲባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ብጭቡጥ ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮ ናይ ምርግጋፅ ሰፊሕ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪበን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ 20 ሺሕ ደቂ ኣኒስቲዮ ተረባሕቲ ናይ ምግባር ስራሕ ቀዳምነት ተዋሂቡሉ ከምዝተሰርሐ ሓቢረን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ንልምዓትን ምዕባለን ሕብረተሰብ ኣስተዋፅኦ ዘበርክታ ዘለዋ ደቂ ኣኒስቲዮ ተረባሕነተን ዘረጋግፁ ስራሕቲ በስፍሓት ከምዝስርሑ ገሊፀን።

ብፈቲያ ዓብደላን ማርታ ጌታቸውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment