ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ እምነ ኩርናዕ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ጃራ ኣባገዳ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝውዕሉ ህንፃታት ኣንቢረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ አምነ ኩርናዕ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ጃራ ኣባገዳ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝውዕሉ ህንፃታት ኣንቢረን።

እቲ ህንፃታት፥ መምሃሪ ከፍሊታት፣ ምምሕዳር፣ ንግልጋሎት ላይብረሪን ላብራቶሪን ዝውዕሉ ኢዮም።

እቶም ህንፃታት እንትዛዘሙ፥ ድምር ዓቕሚ ምቕባል እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ 1500 ተምሃሮ ከብ ከምዝብል ተሓቢሩ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣፃደፍቲ ፀገማት ህዝቢ ቀዳምነት ኣብ ምሃብን ምፍታሕን ንርከብ ኢለን።

እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ሓደ ኣካል ናይቶም ፀገማት ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ተምሃሮ ብቋንቆኦም ምምሃር ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዝረኸበን ሕገ መንግስታዊ መሰልን ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ይኹን እንበር ውሱናት ነዚ ከምስሕተት ብምውሳድ ኣጀንዳ ፖለቲካ ንምግባር ምፍታኖም ግቡእ ኣይኮነን ምባለን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment