ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ጉዳይ ታክስ ጠሚተን ምስ ኣፍረይቲን ኣምፃእቲን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ጉዳይ ታክስ ጠሚተን ምስ ኣፍረይቲን ኣምፃእቲን ከምዝተዛተያ ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ ዝተሰርሑን ለውጢ ምምፃእ ዝጀመሩ ምምሕያሻት ሪፎርም ኣገልግሎታትን ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣብሪሀን።

ካብዚ ብተወሳኺ ግብሪ ምኽፋል ፍታው ጥራሕ ዘይኮነስ ግቡእ ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ ምስ ኣካቢ ግብሪ ተቐራሪብካ ምስራሕ፣ ግቡእ ክብሪ ምሃብ ከምኡ እውን ግብሪ ኣብ ዝሓብኡን ግቡኦም ኣብ ልዕሊ ዘይዋፅኡ ነጋዶ መምሀሪ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝግባእ ከምዝተዘራረቡ ኣብሀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com   

Comments (0)
Add Comment