ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታን ቂርቆስን ዝሳለጡ ዘለዉ ናይ 60 መዓቲታት ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታት ዑደት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስን ልደታን እናተሳለጡ ዝርከቡ ናይ 60 መዓልቲታት ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታት ተዘዋዊረን ዑደት ገይረን።

እተን ከንቲባ ኣብተን ክፍለ ከተማታት ብፍሉይ ኩነታት ዝሳለጥ ዘለዉ ሰብ ተኮር ፕጀክትታት በቢእዋኑ ብትኹረት እናተኸታተላ ከምዝርከባ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ዑደተን ከምዝበልኦ፤ እቲ ፕሮጀክት ብዝተቐመጠሉ ትልሚ መሰረት እናተሳለጠ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ እዋኑ ንክዛዘም ክትትልን ቁፅፅርን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብተን ክፍለ ከተማታት እናተሳለጡ ዘለዉ ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘለን እዋን ንክዛዘማ ለይትን ቀትርን እናተሰርሐ ከምዝርከብ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment