ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብልዕሊ 6 ቢሊየን ብር ይህነፁ ኣብ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ሜጋ ዑደት ኣሳሊጠን።
እቶም ፕሮጀክትታት ኣብ ዝተሓሰበሎም እዋን ብቕልጣፈን ፅፈትን ሓልዮም ንክዛዘሙ ኣብ ዘከኣለሉ ኩነታት ምስ ስራሕ ተቋረፅቲን ኣማኻርቲን እቶም ፕሮጀክትታት ተዘራሪበን፡፡
እተን ከንቲባ፥ ተዘዋዊረን ካብ ዝተዓዘብኦም ፕሮጀክትታት ማእኸል ኢኖቬሽን ኣፍሪካ፥ መውሃቢ ዘበናዊ ግልጋሎት መጓዝያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ፕሮጀክት ዓብይ መዕረፊ ሓድግን መኪናን ኢሉውን ቁፅሪ ክልተ መዕረፊ መኪና የካ ይርከብዎ፡፡
እቶም ፕሮጀክትታት ዘጋጠሞም ሕፅረት ስሚንቶን ሸርፊ ውፃኢን ብምቕራፍ ፅፈቶም ሓልዮም ብብቕዓት ንምዝዛም ዓቕሚ ምዕባይ ከምዝግባእ እተን ከንቲባ ምሕባረን ካብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡