ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ጉባኤ መንግስታት ዓለም ይሳተፋ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ መንግስታት ዓለም ይሳተፋ ኣለዋ።

እተን ከንቲባ ኣብ ፃንሒተን ኣብ ፕላን ከተማን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ዝጠመተ ዘተ ከካይዳ ኢየን ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዓውዲታት ምምሕዳር ትኹረት ዝገበሩ ጎድናዊ ልዝባት ከምዝሳተፋ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ከምኡ እውን ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ተሳተፍቲ ኮይኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment