ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል መስቀል ክብሩ ሓሊዩ ንክኽበር ሕብረተሰብ ክተሓባበር ሓቲተን

ኣዲስ ኣበባ ፣ መስከረም 12 ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል መስቀል ክብሩ ሓሊዩ ንክኽበር ሕብረተሰብ ክተሓባበር ሓቲተን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዋናዊ ኩነታትን በዓል መስቀልን ዝጠመተ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማ ተሳሊጡ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ጨረቆስ ኣብ ዝተሳለጠ ሀዝባዊ ዘተ ዝተረኸባ እተን ከንቲባ፥ እቲ በዓል ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብኲናት ዝበፅሖም ኪሳራ ብተለኣኣኽቶም ኣቢሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክሕሓስ ርብርብ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ዝኽበር ዘሎ ኢዩ ኢለን።

ኣብ መድረኽ ዓለም ኢትዮጵያ ዘፋለጡ በዓላት ማእኸል ሰሕበት ብምዃኖም ከም ዓብዪ ዕድል ንምጥቃም ይፍትኑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ይኹን እንበር በቢከባቢኡ መፈናተቲ ከምዘስኣኖም ብምሕባር፥ ክፍተት እንተዘይተዋሂቡዎም ምንም ዓይነት መገዲ ከምዘይብሎም ገሊፀን።

ስለዝኾነ በዓል መስቀል ክብሩ ሓሊዩ ንክኽበር ሕብረተሰብ ክተሓባበር ሓቲተን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment