ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ከንቲባ ከተማ ሻንጋይ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ልኡኸንን ምስ ከንቲባ ከተማ ሻንጋይ ጎንግ ዜንግ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ን50 ዓመታት ዝዘለቐ ዲፕሎማሲያዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮ-ቻይና ብዝኾነ ይኹን ኩነታ ፀኒዑ ናብ ዝፀንሕ ስትራቴጂካዊ ርክብ ምዕባዩ ገሊፀን።

ኣብ ሞንጎ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ሻንጋይን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻርን ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ተቐራሪብካ ንምስራሕን ሕዚ ዝበለፀ ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ኣልዒለን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓውዲታት ፋይናንስ፣ ንግዲ፣ ቴክኖሎጂን ምፍራይን ብዘመዝገበቶ ዝነኣድ ልምዓት ምስ ትፍለጥ ከተማ ሻንጋይ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ንምስራሕን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻርን ከምዝሰርሓ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከንቲባ ጎንግ ዜንግ ብግደኦም÷ ማእኸል ኢኮኖሚ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ቅልጡፍ ለውጢ እናመዝገበት ትርከብን መእተዊት በሪ ኣፍሪካ ምስ ዝኾትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተቐራሪብካ ምስራሕ በራዊ ተረባሕነት ክልቲአን ከተማታት ንምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ሕውነታዊ ርክብ ብምምስራት ኣዓውዲታት ንግዲ፣ ቱሪዝም፣ ኢንቨስትመንት፣ ቴክኖሎጂ፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ጉዳያት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ዛዐባታት ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment