ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ምክትል ከንቲባ ከተማ ቹንቾን ደቡብ ኮሪያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ምክትል ከንቲባ ከተማ ቹንቾን ደቡብ ኮሪያ ሊ ቻንግ ዎ ተዛቲየን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ከምዝሓረኦ÷ እቲ ዘተ ን19 ዓመታት ዝዘለቐ ምሕዝነት ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ቹንቾንን ክቕፅል ዝኽእለሉ፣ ኣብ ልውውጥ ልምዲን ካልኦት ሓራዊ ጉዳያትን ትኹረት ዝገበረ ኢዩ።

ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ከተማ ቹንቾን ንእንዳ መፅሓፍ ኣርሆት ዝገበሩዎ ሓገዝን ኣብ ሙዚየም ዘመትቲ ኮሪያ ኢትዮጵያውያን ዝገበሩዎ ዑደትን እተን ከንቲባ ምስጋና ኣቕረበን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment