ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ መርሃ ግብሪ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ 1ይ ቤት ትምህርቲ ኣዲስ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ኣጀሚረን።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ፥ እተን ከንቲባ ከምኡ እውን ካልኦት ኣመራርሓታት ተረኺቦም ናይዚ ዓመት ዘበነ ትምህርቲ ኣጀሚሮም።

“ኢትዮጵያ ናትኩም ብሰላም ምዕባይ ብፍልጠት ምህናፅ ብሃንቀውታ ትፅበን ነዚ ድማ ፃዕሪ ትገብር ሃገር” ኢያ ክብላ እተን ከንቲባ ገሊፀን፡፡

መምህራንን ኣመራርሓታት ዘፈር ትምህርቲን ንፅሬት ትምህርቲ ትኹረት ገይሮም ንኽርሑ ፃውዒተን ኣቕሪበን።

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ልዕሊ 910 ሺሕ ተምሃሮ ዝተመዝገቡ እንትኾኑ፥ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዕሊ ከምዝጀመሩ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዘላለም ሙላቱ ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment