ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት ዘይተዛዘሙ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ክሳብ ወርሒ ሰነ ንኽዛዘሙ ኣተሓሳሲበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት ዘይተዛዘሙ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ክሳብ ወርሒ ሰነ ንኽዛዘሙ ኣተሓሳሲበን፡፡

ህንፀት ሓበራዊ ኣባይቲ ኣብ ዝተትሓዘሎም ግዘ ዘይምዝዛም ክፍተት ምህላዉ ከምዝተገምገመ እተን ከንቲባ ተዛሪበን፡፡

“እቲ ክፍተት ንኽፍጠር፥ ፀገማት ሕፅረት ሲሚንቶ፣ ኣፈላላይ ዋጋ ዝተፈላለዩ እታወታ ህንፀትን ምኽባር ወሰንን ከምዝኾኑ ተገንዚብና” ኢለን፡፡

ይኹን እምበር እቶም ፀገማት ብምፍታሕ መንግስቲ መሰረታዊ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ብቕልጡፍ ብምዝዛም ዝተረፈ ተጠቃሚ ባዕሉ ንኸማልእ ከምዝግበር ኣብሪሀን፡፡

መሰረተ ልምዓት ዘቕርቡ ትካላት ዝተረፉ ስራሕቲ ብምውዳድን ብቕልጡፍን ክዛዝሙ ኣንፈት ዝተውሃበ እንትኸውን÷ ነዚ ዝከታተሉ ትካላትን ኮሚቴታትን በቢሰሙኑ ከይዲ ህንፀት እቶም ኣባይቲ ከምዝከታተሉ ተሓቢሩ።

ዝተፀርሑ ሕፅረት እታወታትን ኣፈላላይ ዋጋን ብቀቕልጡፍ መዕለቢ ረኺቦም፤ ክሳብ ወርሒ ሰነ ዘሎ እዋን ተዛዚሞም ንተጠቀምቲ ግቡእ ኣገልግሎት ንኽህቡ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment