ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም ኣብ ኩሎም ዓውደ ግምባራት ግቡኦም ንዝተዋፅኡ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም ህይወቶም፣ ጉልበቶም፣ ሃብፍቶም፣ ፍልጠቶምን ግዘኦምን ብመሃብ ኣብ ኩሎም ዓውደ ግምባራት ግቡኦም ንዝተዋፅኡ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን።

እተን ከንቲባ ኣብ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ብደጀንን ግምባርን ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ብጅግንነት ንዝመርሑ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ጦር ኣመራርሓታት፣ ኣባላት ጅግና ሰራዊት ምክልኻልን ንኣካላት ፀፅታ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ንህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ኣመስጊነን፡፡

ኣብ መንፈቐ ዓመት ኣብ ዝተሳለጡ ግባራት ን297 ሺሕን 696 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኸኣለ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቕረበኦ ፀብፃብ፥ 24 ሺሕ ዝኾኑ መናእሰይ ኣብ ወፍሪ ህልውና ከምዝተሳተፉ፣ 400 ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ግምባር ብምምራሕ ሙያዊ ሓላፍነቶም ከምዝተዋፅኡን 18 ትካላት ጥዕና መሊስካ ብምጥያሽ ዝተፈላለዩ ናይ ሕክምና መድሓኒታትን መሳርሒታትን ሓገዝ ከምዝተገበረ ገሊፀን፡፡

ስልጣንን ተግባርን ኣፈፀምቲ ኣካላት ከምብሓዱሽ ንምውሳን እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዘካየዶ መፅናዕቲ ምምሕያሽ ውዳበ ኣዋጅ ቁፅሪ 74/2014 ኣብቲ ቤት ምኽሪ ፀዲቑ 71 ዝነበሩ ትካላት መንግስቲ ናብ 46 ብምንካይ መሊስካ ናይ ምውዳብ ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም ኢለን፡፡

ን1 ሺሕን 514 ኢንተርፕራይዛት ዓቕሚ ካፒታሎም ንምዕባይ ልዕሊ 449 ሚሊየን ብር ልቓሕ ንመሃብ ተተሊሙ 269 ሚሊየን 247 ሺሕ ብር ልቓሕ ከምዝተውሃበ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment