ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ከተማ ኣሲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሳይት ገላን ጉራ ብኦቪድ ዝህነፁ 60 ሺሕ ኣባይቲ ከይዲ ህንፀት ተዓዚበን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብታ ከተማ ዘሎ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ብመንግስቲን ብዘፈር ውልቀን ካብ ዝካየዱ መርሃ ግብሪታት ህንፀት ኣባይቲ ዝዓበየ ኦቪድ ገላን ጉራ ሳይት ከይዲ ህንፀት 60 ሺሕ ኣባይቲ፣ ከይዲ ህንፀት ለገሃር ጊፍት ሪልስቴት ዝሃንፆም 4 ሺሕን 370 ኣባይቲ ከምኡ እውን ኣብ ቦሌ ሩዋንዳ ብውልቀ ዘፈር እናለምዑ ዝርከቡ ዘበናዊ መንበሪ ኣባይቲ ተዓዚበን፡፡