ከንቲባ ኣዳነች ብምኽኒያት ልምዓት ካብ መረበቶም ንዝተልዓሉ ነበርቲ ኣባይቲ ከረክባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ብምኽኒያት ልምዓት ካብ ከባቢ “ፍል ውሃ” መረበቶም ንዝተልዓሉ ነበርቲ ኣባይቲ ከረክባ ኢየን።

ብመሰረት እዚ፥ 200 ኣባይቲ ንነበርቲ ጉለሌ ፣ ኣራዳን ልደታን ክተሓላለፉ ኢዮም።

5 ነጥቢ 6 ሄክታር መሬት ብምኽኒያት ልምዓት ካብ መረበቶም ንዝተልዓሉ ዝተዳለወ እንትኸውን 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ካሕሳ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ኮንዶሚኒየም ተመዲቡሎም ህንፀት እቲ ኣባይቲ ተዛዚሙ ክሳብ ዝርከቡ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ገዛ ክራይ ክፍሊት 36 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ከምዝተፈፀመ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment