ከንቲባ ኣዳነች መበል 82 መዓልቲ ዝኽሪ ዓወት ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ መበል 82 መዓልቲ ዝኽሪ ዓወት ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን÷ ናይ ሕዚ ወለዶ ወናኒ ናፅነታ ዝተኸበረ ሉኣላዊት ኢትዮጵያ ክኸውን ዝኸኣለ፤ ሓርበኛታት ኣቦን ኣዶን ብርቱዕ ቃልሲ ከምዝገበሩ ገሊፀን።

እዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እናተዘከረ ዝነብር ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ከንቲባ÷ ቀፃሊ ወለዶ እውን ኣሰር ኣቦታቱ ብምኽታል ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ብፅሒቱ ንኽዋፃእ ፀዊዐን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

Comments (0)
Add Comment