ከንቲባ ኣዳነች ሕቶ ልምዓት ኣቕሪቦም ንፕሮጀክቶም መሬት ምስ ዝተወሰነሎም ኣልማዕቲ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ሕቶ ልምዓት ኣቕሪቦም ንፕሮጀክቶም ንዕቤት እታ ከተማ ካብ ዘለዎም ረብሓን ብመንፅር ዝፈትሑዎ ፀገም ህዝቢን መሬት ምስ ዝተወሰነሎም ሰብ ሃፍቲን ኣቦታት ሃይማኖትን ተዛቲየን።

እተን ከንቲባ ከምዝሓበረኦ÷ 150 ሄክታር መሬት ብምደባ ንመሃብ ውሳነ ክወሃብ ዝኸኣለ፤ ዘቐረቡዎም ፕሮጀክታት ንዕቤት እታ ከተማ ዝምጥኑ፣ ንነበርቲ እታ ከተማ ዝፈጥሩዎ ዕድል ስራሕ፣ ንምዕባለ እታ ከተማ ዘበርክቱዎ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምኡ እውን ብመንፅር ዘቃልሉዎ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገም ከምዝኾነ ብእምነት ከምዘልምዑ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢዩ።

ብግልፂ ኣሰራርሓ ሰብ ሃፍቲ ዘቕረቡዎ ፕሮፖዛል ተፈትሺ ብምደባ ንመሃብ ዝተወሰነ÷ ነታ ከተማ ዝምጥኑ ዓበይቲን ኩለመዳይን ኣገልግሎታት ዝህቡ ዘበናዊ ሞላትን ሆቴላትን ንኽህነፁ፣ ንነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕድል ስራሕ ንኽፍጠርን ኣታዊ እታ ከተማ ንኽውስኽን ንምግባር ስለዝኾነ፤ ሰብ ሃፍቲ ብልክዕ ጠለብ እታ ከተማ  ምስንዳእን ምልማዕን ከምዝግበኦም ተሓቢሩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ መሬት ዘልምዑ ግልፅነትን ፍትሓውነትን ዝዓሰሎ ኣሰራርሓ ተሰናዲኡ ኣልማዕቲ ሆቴላትን ሞላትን፣ ትካላት እምነት ድማ መምለኺ ቦታ ክወሃቦም ምግባሩ ፍትሓውነትን ማዕርነትን ብተግባር ዘርአየ ብምዃኑ ንምምሕዳር እቲ ከተማ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብተኣማንነትን እቲ መሬት ንዝተሓሰበሉ ዕላማን ብምውዓል፣ መንግስቲ ምስሊ እታ ከተማ ዝልውጡ ዓበይቲ ፕሮክታት ብምህናፅ እናገበሮ ንዝርከብ ስራሕ ብተግባር ብምሕጋዝ ዜግነታዊ ግቡኦም ንምውጻእ ከምዝሰርሑ ቃል ምእታዎም ኣፍሊጦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

Comments (0)
Add Comment