ከንቲባታት ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ዑደት የሳልጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባታት ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ዑደት የሳልጡ ኣለዉ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ እሪ በከንቱ፣ ፒያሳ ኣራት ኪሎ ዘሎ ምንቅስቓስ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ዑደት ዘካየዱ አንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ ድማ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ክርእዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ፥ በቲ ልምዓት ኮሪደር ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ምዝርግሑ ኣብሪሀን።

ንኣብነት፥ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ፣ ኢትዮ-ቴሌኮምን መወገዲ ረሳሕ ፈሳሲን ትሕቲ መሬት ምቕባሮም ገሊፀን።

ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ዘሎ ምንቅስቓስ ትራፊክ ኣብ ሓደ ማእኸል ምቁፅፃር ዘኽእል ስርዓት ከምዝህሉ ሓቢሮም።

ብመሳፍንት እያዩን ቤዛዊት ከበደን

Comments (0)
Add Comment