ከተማ ኣብዓላ ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማ ኣብዓላን ከባቢኡን ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝረኸበ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ከባቢ ብምኽኒያት ኲናት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ልዑል ጉድኣት ብምግጣሙ ለዕሊ ክልተ ዓመት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ንምምላስ ብዝተገበረ ፅገና ዳግም ሓይሊ ኤሌከትሪክ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ከተማ ካብ መቐለ ጣቢያ መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ አንትረክብ ከምዝነበረ ይዝከር።

ዝተረፋ ኣብ ኪልበቲ ረሱ ዝርከባ ከተማታት ንምርኻብ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment